Home | Chi siamo | Usare i doni | Potenza dello Spirito Santo | Vincere il demonio | Preziosissimo Sangue | Genuflessioni

1. ብስም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን በቲ ክቡር ደሙ ንገሃነም ዝሰዓረን፤ብስም ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ብስም ኲሎም ሊቃነ መላእክትን ብፍላይ ከኣ ቅዱስ ሚካኤልን ኰሎም ቅዱሳን መላእክትን፤ብስም ቅዱስ ፍራንሲስን ቅዱስ ኣባ ፒዮስን ቅድስቲ ጀማ ጋልጋኒን፤ ቅዱስ ኣንጦንዮስ በዓል ፓዱቫን፤ ቅዱስ ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይን፤ ንሰይጣንን ሰራዊቱን፡ በዐልዘቡልን ሰራዊቱን ንሉሲፈርን ሰራዊቱን፡ ንዳንን ኣቡኑን፡ ንኩሎም ኣጋንንትን ሰራዊቶምን፡ ንኲሉ ዓይነት ጥንቖላን ርኹሳት መናፍስትን፡ ንኲሉ ውድቀትን ክስራንን፡ ዕዳንን ድኽነትን ምስ ርኹስ ፍትወቶምን፡ ካብ ቤተይ ክርሕቁ፡ ፈጺሞም ከኣ ናባይ ከይምለሱን ብስም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እእዝዝ ኣሎኹ።

******************

2. ብሓያል ስም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ምእንቲ ኲሉ ሰብ ዝፈሰሰ ክቡር ደሙን ኣማላድነት ድንግል ማርያምን ብስም ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤል፡ ናይ ጸለማት ጎይታ ርኹስ መንፈስን ሕልና ዘድክም ናይ ሕርቃን መንፈስ ዘሕድርን፡ ዕርቂ ዝጸልእ፡ ናይ ጽልእን ሕነ ምፍዳይን መንፈስ ካባይ ኣርሑቑለይ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰላምካን ሕይወትካን ክትህበኒ እልምንካ ኣሎኹ። ንስኻ ጎይታ ሕይወትን መወዳእታ ኲዘይብሉ ምሕረት እትህብ ኢኻ።

******************

ስእነት ስራሕን ሕሰም ናብራን
3. ብስም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን በቲ ክቡር ደሙ ምእንቲ ምሉእ ዓለም ዝፈሰሰን፡ ብክቡርን ሓያልን ኣማልድነት ድንግል ማርያምን፤ ኲሎም ሊቃነ መላእኽትን ኲሎም ቅዱሳንን ካብኦም ከኣ ቅዱስ ፍራንሸስኮን  ቅዱስ ኣባ ፒዮስ፡ ኣነ ንዳንን ንሰይጣንን ንበዔልዘቡል ንዂሎም ናይ መከራን ሓሳርን ጭፍራታት፡ ንዂሎም ናይ ክስረትን ዕዳንን ውድቀትን ፤ ንኲሎም  ናይ ጽልእን ሕነን ርኹሳን መናፍስትን ብቕጽበት ካባይን ካብ ስራሕይን ካብ ንብረተይን ካብ ሕይወተንን ካብ ቊጠባይን ካብ ጥዕናይን ክትርሕቁ ብፍጹም ከኣ ደጊም ከይትምለሱ ብስም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እእዝዘኩም ኣሎኹ።

******************

4. በቲ ናይ ኲልና ድሕነት ዝኾነ ቅዱስ ስም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ክቡር ደሙን፡ ምእንቲ ኣማላድነት ድንግል ማርያምን ኲሎም ቅዱሳን ሊቃነ መላእኽትን ቅዱስ ሚካኤልን ኲሎም ቅዱሳን መላእኽትን ጻድቃንን ቅዱስ ፍራንሲስን፡ ቅዱስ ኣባና ፒዮስን ቅዱስ ኣንጦንዮስ በዓል ፖዶቫ፡ ቅድስቲ ኣንጀላ ጋልቫንን፡ ቅዱስ ዮሃንስ ፓውሎስ ካላኣይን ነባዔልዘቡልን ሰይጣንን፡ ንሉሲፈሮንን ንዳንን ናቡን ንኲሎም ጭንቀትን፡ ናይ ተስፋ ቊርጸትን ፍርሓትን ቕልውላውን ብቕልጡፍ ካባይ ካብ ሕይወትይን ክትርሕቁን ፈጺምኩም ከኣ ከይትምለሱን ብስም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እእዝዘኩም ኣንሎኹ።

******************

5. ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ሰሙን በቲ ንምሉእ ዓለም ዝፈሰሰ ክቡር ደሙን፡ በቲ ሓያል ናይ እግእዝትነ ማርያም ኣማልድነትን ናይ ኲሎም ቅዱሳን ሊቃነ መላእኽትን ብፍላይ ከኣ ቅዱስ ሚካኤል ሊቃነ መላእኽትን ኲሎም ቅዱሳን መላእኽትን ንዝኾነ ይኹን ርኹስ ሓይሊ ጸላእን ናይ ስጋን መንፈስን ጎዳኣት ከምጽእ ዝፍትንን ካባይ ክርሕቕን እእዝዝ ኣሎኹ። ኦጎይታይ ንርእሰይ ክምሕር ብዘይ ምኽኣለይ ምሓረኒ። ሰላምካ ሃበኒ ብብዝሒ ምሕረትካ ሰላምካ ኣብ ልዕለይ ኣፍስሰለይ። ኣምስግነካን እባርኽካን ኣሎኹ።